ሌላ ምስ ምንቅስቓስ

ሌላ ምስ ምንቅስቓስ

ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ

ቍጽሪ 03 – 2021

ል.ህ.ኤ. ኣብ ባሕቲ መጋቢት 2020፡ ብስም ምንቅስቓስ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ተመስሪቱ። ሓደ ምእንቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከም ምንቅስቓስ ዚቃለስ ውደባ ኣቚምና። ከም ውጽኢት ናይቲ ፍጹም ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ንሓርነት፡ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብመንገዲ ረፈረንደም፡ መሰል ርእሰውሳነ ተዓዊቱ። ይዅን`ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዛጊት ብመንገዲ ናጻን ርትዓውን ሃገራዊ ምርጫ፡ ዝደለዮ መንግስቲ ብምቛም ልዕላውነቱ ከም ህዝቢ ኣይጨበጠን። ሓደ ካብ`ቲ ቀንዲ ዕላማታት ናይዚ ውደባ`ዚ፡ መሰላት ህዝብና ምርግጋጽ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዘመነጸልማት ምልካዊ ስርዓት ህግድፍ ኣብቂዑ ዘመነ ብርሃን ናይ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ንምምጻእ ዝካየድ ኵሉ-መዳያዊ ሃገራዊ ጻዕሪ፡ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት የመልክት።

ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብደረጃ ውልቀሰብ ይዅን ውድብ፡ ኣወዳድባኡ ብዘየገድስ፡ ነዛ ብሰንኪ ጥልመት ህግደፍ መበገሲ ዕላማታት ሰውራናን ሃረርታ ህዝብናን ዝሓርበታ ናብ ህዝባ ክነብረላ ዘይክእል ምድራዊት ገሃነመ-እሳት ተቐይራ ዘላ ሃገርና፡ ናብ ህዝባ ብሰላም፡ ቅሳነትን ራህዋን ንቡር ህይወት ክነብረላ ዚኽእል ሃገር ንምቕያር ክሰርሕ ቅዱስ ሓላፍነት ኣለዎ። ለውጥን ደሞክራሲያዊ ስግግርን ነሓድሕዶም ዚተኣሳሰሩ መስርሓት ኢዮም። ውደባ ከም ሓይሊ መጠን ኣብቲ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ፡ መተካእትኡ፡ ኣብ ቅዋም ዚተመስረተ፡ ንሕጊ ዚምእዘዝ፡ ኣኽብሮት መሰረታዊ መሰላትን መባእታዊ ናጽነታትን ዜጋታት ዘውሕስ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካል ዚካየድ ጻዕሪ ሓያል መሳርሒ ኢዩ።

ሓድነት ኣብ ውሽጥና ብምትራር፣ ጥርናፈ ተግባራዊ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ንምድልዳል ንጽዓር። ካብ በበይንኻ ተበታቲንካ ምስራሕ፣ እቲ ዚበለጸ ብሓባር ተጠርኒፍካ፣ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ምስራሕ’ዩ እቲ ብዝያዳ ዘድምዕ። ዓወት ናይ ሓባር ዕላማ ዘቀላጥፍን ዜውሕስን።

ገጽ ሓደ ካብ ክልተ

ነቶም ዕጥቅታት ብግቡእ ንምጥቃም መሳርሒታት የድሊዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ መሳርሒታት ህላወ ናይ ንጹር ራእይ፡ ፍሉጥ ተልእኮ፡ ስሩዕ ዕላማ፡ ጭቡጥ ፕሮግራም፡ ኣድማዒ ኣወዳድባ፡ ብቑዕ መሪሕነት ኢዮም። ብሕጽር ዚበለ ኣቀራርባ፡ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ዚስዕቡ መሳርሒታት ብምንጻር ናብ ስራሕ ይብገስ። ራእይና ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ

ኣብ ሃገርና ኣብ ትግባረ ቅዋም ዚምርኰስ ግዝኣተ-ሕጊ ምንጋስ። መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ብምርግጋጽ፣ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ዜጋታት ምውሓስ። ርግኣት፡ ድሕነት፡ ቅሳነትን ራህዋን ምስፋን። ንዅሉ ዜጋ ግቡእ ሰብኣዊ ኣኽብሮት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዚህብ፣ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን ሃገራዊ ህይወት ምህናጽ። ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን – ህዝባዊ ተሳትፎ ዚዅስኵስ፣ ግሉጽን ተሓታትን ኣከያይዳ ዝኽተል፣ ቅዋማዊ ስርዓተ መንግስቲ ምትካል። ዕላማና

ህግደፋዊ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ምምጻእ። ነዚ ዕማም`ዚ ብኣድማዕነትን ብዚቐልጠፈን ንምፍጻም፡ በብዓቕምና ከም ውልቀሰባት፣ ብሓባር ከም ምንቅስቓስ፣ ብጥርናፈ ኰነ ብምውህሃድ ምስ ተመሳሰልቲ ሃገራዊ ሓይልታት ብምስላፍ ጭቡጥ  ኣበርክቶ ምግባር።

ፕሮግራም

ፕሮግራም ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዚስዕብ ይሓቍፍ፡-

  1. ሃገርና ብመሰረት ሲቪካዊ ሃገርነት ትስራዕ። ብጥማር መሰላት ዜጋ ሓዘል ቻርተር ዝተሰነየ ሕገ-መንግስቲ ምድኳን፤
  2. እቲ ዝቐውም ዕልመናዊ ዜግነታዊ ሃገረ-መንግስቲ ኣሳታፊ፡ ተሓታቲ፡ ግሉጽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ይኸውን፤
  3. ሰብኣዊ ርእሰ-ማልና ብቐዳምነት ምምዕባል፤
  4. ሃገራዊ ሓድነትን ማሕበራዊ ስኒትን ምዅስኳስ፤
  5. ሰላማዊ ጕርብትናን ሓባረ-ህላወን ዘውሕስ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ምኽታል፤
  6. ዝተወደበ ተሳትፎ ህዝቢ ምርግጋጽ። ሓድነት ምስ ብዙሕነት ኣብ ኩሉ መዳያት ፖለቲካዊ ሃገር ምስራጽ።

ስትራተጂና:

ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ህዝባዊ ናዕቢ መተካእታ ዘይብሉ ናይ ዓወትና ስትራተጂ

እዩ።

መጋቢት 14፡ 2021 ገጽ

ክልተ ካብ ክልተ