ስለምንታይ ሳልሳይ ማዕበል?
01/09/2021

ማኒፈስቶ 2021፡

ሳልሳይ ማዕበል

ስለምንታይ ሳልሳይ ማዕበል?

ቀዳማይ ማዕበል፡

ምውጋኑ ክጥዕመና፡ እስከ ነቲ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ነጻነታዊ ተጋድሎና ቀዳማይ ማዕበል ንበሎ። ምስቲ ኩሉ ትብዓቱን ድኽመታቱን ሳላ ስዉኣትናን ኩሉ ሸነኻዊ ተወፋይነት ህዝብናን ብውሕዱ ሃገራዊ ነጻነት ኣዐዊቱ። ግዳ ከኣ ግዛኣተ- ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ርግኣት፡ ልምዓት፡ ስኒት፡ … ኮታ እቲ ኩሉ ባህግታት ህዝብና ዛጊት ኣይተረጋገጸን። እዚ ዕማማት`ዚ ብናይ ህዝብና ዝተወደበ ሰላማዊ ቃልሲ ንኽረጋገጽ ብዘሐፍር ደረጃ ኣብ ቅድሜና ተዀሚሩ ይጽበየና ኣሎ።

ካልኣይ ማዕበል፡

እዚ ማዕበል`ዚ ነቲ ኩሉ ዘቤታውን ግዳማውን ፈተነታት ምዕዋት ግዝኣተ-ሕጊን ፍትሕን ዘጠቓልል ናይ 30 ዓመት ተመኩሮ እዩ። ብሓንጎል ቀዳማይ ማዕበል እናተገዝአ ማእለያ ዘይብሎም ድኽመታት ክረአ ጸኒሑን ኣሎን። ብጉድለት ንጽሩነት፡ ኣትኩሮን፡ ኣድማዕነት ስለዝሳቐ ከኣ ማኣዝኑ ስሒቱ ተሳትፎ ህዝቢ ሓርቢትዎ ኣብ ዕግሽግሽ ወርቃዊ ጊዜኡ ባኺኑ ተሪፉ። ካልኣይ ማዕበል ቀጻሊ ምፍንጭጫል፡  ናይ ወለዶታት ጋግ፡ ዘይምትእምማን፡ ዕግሽግሽ፡ ቅሉዕን ሕቡእን ግዳማዊ ኢድ ምትእትታው … ገለ ካብ`ቶም ቀንዲ መርኣያ ባህርያቱ እዮም። ስለዚ ኩሉ ከኣ ዝልለ ዝተወደበ ጽምዶ ህዝቢ ከሳሲ ኣይበቕዐን።  ሃገርና ክንሰርዕ ብናይ ሓባር መደብ ክንሰርሕ፡ ኣይከኣልናን። ንህዝቢ ጸዊዑ ዘሳትፍ ኣካያይዳ ሓርቢቱና። ኣስከሬን ውድባት በዚሐን። ንህ.ግ.ደ.ፍ. ብግብሪ ዝጠማጠሞ ሓይሊ ተሳኢኑ። ፖለቲካና ብኣጉል ፈተነታት ጨቂዩ።  ግብሪ ዝያዳ ኣፍ ይዛረብ። ብግብሪ ዘይተሰነየ መደረታት ፋይዳ የብሉን። ከመይ ኣብ ባይታ ገጢምና ጸገም ህዝብን ሃገርን ንፈትሕ`ዩ እቲ መዐቀኒ።  ኲናት ሓድ-ሕድ ጎረቤትና ንፖለቲካ ኤርትራ ገዛዚዑ ናብ ዘይዕረቕ ጫፋት ክሰናጥቖ ምርኣይና ሓደ ካብ`ቶም ናይ ቀረባ ኣብነት`ዩ። እዚ ኣብ ገጽና ዝትኰስ ዘሎ ተርእዮታት`ዚ ነቲ ካልኣይ ማዕበል ታሪኻዊ  ኩዳኡ ብፍሽለት ዛዚሙ ከምዘብቀዐ ይሕብር። ኣብ ትሕቲ`ዚ መሪር ሓቂታት`ዚ ግዱሳት ውድባትን ሃገራውያን ኤርትራውያንን ሳልሳይ ማዕበል ክእውጁ ናይ ግድነት ይኸውን።

ሳልሳይ ማዕበል፡

ካብ`ቶም ዝሓለፉ ማዕበላት እኹል ተመኩሮ ቀሲምና ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ሓዱሽ ኣረኣእያን ኣወዳድባን ከነታኣታቱ ንግደድ። ካብ ዝኣረገ ዘይሰርሕ ናይ ኣእምሮ-ቅኒት ወጺእና ናብ ሓዱሽ ፡ ተበላሓቲ፡ ኣድማዒ፡ ኩሉ ሓቆፍ፡ ዝሰርሕ፡ ዘሳትፍ፡ ዘመናዊ ፖለቲካ ሃገርና ክንዋፈር መተካእታኣልቦ ምዃኑ ንእውጅን ነበስርን።

 

ራእይና፡ መሰረታዊ ግንዘባ ሃገርናን ህዝብናን፡

ሀ) ኩርዕቲ ልዕላዊት ሃገር። ብጽንዓት ክቡር ህዝቢ ነጻ ዝወጸት ክብርቲ ሃገር።

ለ) ንህዝብና ከም ሰላም ዝፈቱ፡ ልምዓት ዝጸምእ፡ ተጻዋራይ፡ ፋቃርን ዕጉስን፡  ንኹሉ ጸገማት ተሳጊሩ ጸብለል ዝብል፡ ስራሕ ዝፈቱ፡ ህርኩት ህዝቢ ንፈልጦ።

ሐ)  ብዜግነታዊ ሲቪላዊ ሃገረ-መንግስቲ እትምራሕ ልዕልነት ሕጊ እተኽብር ዘመናዊት ደውላ ከነውሕስ ንቃለስ።

መ) ኣብ ውሽጣ ሰላም ዝነገሳ፡ ኣብ ከባቢኣን ብኣህጉራዊ ደረጃን ከም ሰላማዊት እትፍለጥ ሃናጺ ተራ እትጻወት እድብቲ ኣባል ኣህጉራዊ ኮም።

ሰ) ብማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ትምህርታዊ፡ ዓቕምታታ ከም ኮኾብ  እትምሰል ሕብንቲ ኣባልን ኣርኣያን ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ጌርና ክንሃንጻ ንጽዕር።

ተልእኮና፡

  1. ምዕቃብን ምውሓስን ኤርትራዊ ሃገራዊ ልዕላውነት። ምልኣተ-ግዝኣት መሬታን ሰማያታን ባሕሪታታን ኩሉ ጊዜ ምሕላው። ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገርና ልዕሊ ኩሉ ጉዳያትና ንሰርዖ።
  2. ሃገርና ከም ብሌን ዓይንና እንሕልዋ መሬት ዓደ`ቦና እያ። ዝቦኽቦኸ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጊዜያውን ተኣላዪን ጸገም እዩ። ጉዳይ ጊዜያዊ ምሕደራን ልዕላወነት ሃገርናን ሓዋዊስካ ምግንዛብ ግን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ይቕረ ዘይባሃሎ ሃገራዊ ሓጥያትን ክድዓትን እዩ። ኣብ`ቲ ካልኣይ ማዕበል ብገለ ተዋሳእቲ ዝረአ ድንጉር ምትሕውዋስ ንሃገርን ጊዜያዊ ምሕደራን ኣትሪርና ንነጽጎ።
  3. ሃገራዊ ትካላትና ነኽብር። ሰራዊት ኤርትራ፡ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትካላትና፡ ኮማዊ መጋባእያታትና፡ ሲቪካዊ ማሕበራትና ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም ነኽብሮም። ኣብ ዝካየድ ፍትሓዊ ቃልሲ ቀንዲ ኣካላትን ተረባሕትን ምዃኖም ንኣምን። ኣብ መስርሕ ኣግእዞ ህዝብና ስትራተጂያውን ሓጋዝን ተራ ክጻወቱ ከኣ ብዝያዳ ክውደቡን ክነጥፋን ንጽውዐን ነተባበዕን። ብዝተወደበ ነጻን ንጡፍን ህዝባዊ ተሳትፎ ጥራሕ እዩ ሃገርና ክትለምዕን ክትቀስንን እትበቅዕ።

ዕላማ ሳልሳይ ማዕበል፡

  1. ካብ ቀጻሊ ንኡሳን ምፍንጭጫላትን ምስብባርን መታን ክንድሕን ዝጭበጥ፡ ዝትግበር፡ ህዝቢ ዝዓስሎ፡ መደባት ተሊምካ ኣብ ውጽኢታዊ ዕማም ምጽማድ። ኩሉ በብዝመስሎን ዝቐርቦን ተማሓዝዩ እንተስ ብልፍንቲ እንተስ ብካልእ ኣፍራዪ ኣገባብ ብሓባር ንሃገራዊ ዕማም ክቃለስ ኣብ ባይታ ይጸምድ። እቲ ሳልሳይ ማዕበል በይናስ ጠለባቱን ኣገባባቱን ንኽኣሎ እምበር ከይዱ ከይዱ ናብ ኣድማዒ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክዓኩኽ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
  2. ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንጹርነትን ኣድማዕነትን ምትእትታው።
  3. ካብ ፍትሓዊ-ልዓቱ ወጻኢ፡ ሃገርነት ሓደገኛ ክኸውን ስለዝኽእል ንፖለቲካ ሃገርና ገሪሕና ኣብ ፍትሕን ዘሳስዮ ፖለቲካዊ ባህልን ከም ዝምእከል ከይተሓለልካ ምጽዓር።
  4. ንኤርትራዊ ሃገርነት ከም ክቡር ናይ ሓባር መርሖን ጠርናፊ መትከልን ምሕብሓቡን ምኹስኳሱን።
  5. ንመስርሕ ተቓውሞ ዘሳቕዮ ዕግሽግሽ፡ ጀላነት፡ ሓድ-ሕድ ምትህልላኽ፡ ሰጊርና ነቲ ተራ ኤርትራዊ ዜጋ ናብ ቃልሲ ዝዕድም ምቹእ ሃዋሁው ምፍጣር`ሞ ንኹሉ ዓቕምታት ህዝብና ኣብ ድሕነቱ ከም ዝዋፈር ምግባር። 
  6. ብሓፈሻኡ ዕዉት ደንበ ተቓውሞ ንምህናጽ ዝረአ፡ ዝድህሰስ፡ ዝዕቀን፡ ዕላማ-ሓዘል ፖለቲካ ብምዝውታር ህዝባዊ ተሳትፎ ምኽዕባት።

ወዳቢ መትከልና፡

  1. ወዳቢ መትከልና ሲቪካዊ-ሃገርነት እዩ።

ሀ) ኣብ ኮንስቲቱሽን ዝሰፈረ ቻርተር ጥማር ናይ መሰላት።

ለ) ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ።

ሐ) ሓላፍነታዊ መንግስቲ።

  1. መሰል፡ ናይ ውልቀ-ዜጋ-መሰል እዩ። ጉጅላዊ መሰል ብደውላዊ ፖሊሲ ይሳሰ።
  2. ሓድነት ምስ ብዙሕነት ካብ`ቶም ቀንዲ ሕመረት ወደብቲ መትከላትና እዩ። ዝተወደበ ተሳትፎ ህዝቢ ጥራሕ እዩ ድማ ነዚ መትከል`ዚ ዘረጋግጽ።
  3. ሓድነት ምውህሃድ ናይ ሓባር ዕላማ እዩ። ብጭቡጥ ተግባራዊ ስራሕ ከኣ ይረጋገጽ። ዘራኽቦም ዘይብሎም መደባቶምን ዕላማኦምን ብሰንጣቒት ዝጻረራ ሓይልታት ወይ ባእታታት ብሓባር ክሰርሑ ኣይክእሉን። ኤርትራ ኣብ ምስርሕ ምዃን ከምዘላን ከም ደቂ ሓደ ሃገር ዜጋታት ክነብሩን ክዕወቱን እንተኾይኖም ከኣ ብሓባር ምስዝሃንጽዋ ጥራሕ ምዃኑ እቶም ሃገራውያን ኣጥቢቖም ይግንዘቡ።

ናይ ቀረባ ዕማምና፡

  1. ንዝፈሸለ ጉጀላዊ ስርዓተ-ራዕዲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብናይ ሓባር መንግስቲ ብምትካእ ልዕልነት ግዛኣተ-ሕጊ ምርግጋጽ።
  2. ድሕሪ ምልጋስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብኡንብኡ ንኩላትና ዝውክል ዲሞክራሲያዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ምቛም።
  3. ብዘይ ወዓል-ሕደር ሃገራዊ ዕርቂ ብምእዋጅ ናይ ሃገራዊ ሕውየት መስርሕ ምጅማር። ታሪኽና መርሚርና ዝሕተት ተሓቲቱ ዝከሓስ ተኻሒሱ ብሓዱሽ ናይ ሓባር ታሪኽ ኣብ ምህናጽ ሓዳሽ ሃገር ብሓባር ንምርሽ።
  4. ነዚ ቅዱስ ሃገራዊ ዕላማ`ዚ ንምዕዋት ዝተወደበ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝብና ስትራተጂያዊ ተደላይነት ይህልዎ። ብርግጽ፡ ንጹር ራእይ፡ ዓብላሊ ሲቪካዊ መንፈስ፡ ናይ ፈሊጣውያን እንካን-ሃባን … ከድሊ እዩ።

ፓራዳይም ሽፍት፡

ብተግባራዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ`ቲ ቀዳማይን ካልኣይን ማዕበላት ዘዘውተርናዮም ኣተሓሕዛ ሃገራዊ  ኣጀንዳታት፡ ምሕደራ ሓድነት፡ ኣሰራርዓ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ኣብ ሓድሕድና ዘለና ኣረኣእያታት… ኮታ ኩሉ ሸነኻት ፖለቲካዊ ባህልና መሰረታዊ ለውጢ ወይ ምቕያር የድልየና ኣሎ። ፖለቲካዊ ናይ ኣእምሮ-ቅኒትና ሕኑን ለውጢ ይጠልበና ኣሎ። ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት-ውልቃዊ- ጉጅላዊ-ሃገራዊ ደረጃታት መሰረታዊ ናይ ኣረዳድኣን ኣተኣታትዋን ለውጢ ከነዘውተር ታሪኽ ይሓተና ኣሎ። እወ፡ እቲ ፓራዳይም ሽፍት ብሓፈሻ ንኩላትና ይምልከት። ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን ግን ሓላፍነት ናይ`ቲ ሃገራዊ ሓይሊ`ዩ። ስለምንታይ? ሃገራዊ ፖለቲካ ግቡእ ኣንፈት ምትሓዝ ታሪኻዊ ዕጫኡን ተራኡን ስለዝኾነ። ቦኾራ ምጥርናፍን ምሕያልን ናይ`ዚ ሓይሊ`ዚ እዩ ንሃገርና ህዝብናን ዘዋርድ ዘሎ። ሕምቀትና ሳዕሪሩስ ክሳብ ናይ ግዳም ሰልኩታት ክዕድም ንግንዘብ።  ብርግጽ፡ ኣተሓሳስባና ብሓደ ኣዋጅን ኣብ ሓደ እዋንን ክቕየር ኣይኮነን። የግዳስ ዝሓለፈ ጸኒሓዊ ኣገባብ ኣብ ዕጽው መንገዲ ስለዘብጻሓና ኮነ ኢልና ሓዱሽ፡ ተበላሓቲ፡ ዝሰርሕ፡ ብሓባር ዘንብረናን ዘቃልሰናን ዘዐውተናን ንፈትሽ እምበር ዝፈሸለ ፖለቲካ ደጋጊምካ ምጥቃም ትርፉ ናይ ሓባር ዕንወት`ዩ በሃልቲ ኢና። ውድባዊ፡ ባህላዊ-ጉጅላዊ… ድርቅናታት ምስ ከውሒ ተራጺሙ ሃገርናን ህዝብናን ናብ ዘሰክፍ ሓደጋ ኣቃሊዕዎም ይርከብ። ኣብ ክፉት ኣእምሮን ሲቪካዊ መንፈስን ተመርኲስና ካብ ሓቀኛ ገምጋም ተመኩሮና ተበጊስና ከም ሓዱሽ ንቕሎ ሳልሳይ ማዕበል ንእውጅ። እቲ ብድሆ፡ ነቲ ናይ ድሕነት ማዕጾ ሳልሳይ ማዕበል ከመይ ንኸፍቶ እዩ። ካብኡ ንንዮው ኣብ ክሊ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ምቕያሱን ምቅላስን ኣይከጸግምን`ዩ። ስለዚ ከኣ ከም ሃገር-ለኸ ጸዋዒት መጠን፡ ንምዕዋቱ ናይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣበርክቶን ተሳትፎን ንሓትት።  በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ድማ ንመላእ ህዝብናን ናይ ድሕነት ሓይልታቱን ብዓውታን ብቕሉዕን ንጽውዕን ነተባብዕን።

ህዝብና ክዕወት`ዩ!

ሓቀኛ ዝተወደበ ተሳትፎ ህዝብና ምስጢር ዓወትና`ዩ!

 

መስከረም 1 2021